ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብ ይነጥፉ ኣለዉ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ሓረስቶት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ መሓመድኑር ሙሳ፡ ዕላማኦም ውሕስነት መግቢን ዝተመሓየሸ መነባብሮን ንምርግጋጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብ ከበሳ ዝወርድ ወሓይዝ፡ ብግቡእ ኣብ ሕርሻዊ ጥቕሚ ንምውዓል፡ ብቐንዱ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን ጀሪፋትን ዓግማትን ዘተኰረ – ብደገፍ ኣብዑርን ማሽነሪን ዝተሰነየ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ወፈራታት ከምዘካይዱን፡ ኣብ ዓመት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ እዋን እቶት ከምዝሓፍሱን እውን ገሊጹ።

ኣቶ መሓመድኑር፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝወረደ ሓያል ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ከቢድ ጉድኣት ስለዘውረደ፡ እቲ ዕንወት ድማ ልዕሊ ዓቕሚ ሓረስቶትን ማሕበርን ብምዃኑ፡ ዝምልከቶ ኣካል ቅልጡፍ ደገፍ ማሽነሪ ክገብረሎም ተማሕጺኑ።

ማሕበር ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት ሸሞንተ ሚእቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ኣባላት ይጥርንፍ።

Categories