ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ሳላ ንጡፍ ተራ ምምሕዳራት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብ11ን 12ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ርክብ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ካብ ምምሕዳራት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ባይቶ፡ ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተወከሉ ዝተሳተፉዎ ርክብ፡ ሓላፊ ምክትታል ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብቲ ዞባ መምህር በላይ ኑርሕሴን፡ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ ካብቶም ዝተመዝገቡ 76 ሚእታዊት – ማለት ልዕሊ 20 ሽሕ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ መደብ፡ ትምህርቶም ብዝግባእ ከምእተኸታተሉ ብኣሃዛት ኣሰንዩ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ ቁጽሪ ዘይተማህሩ ዜጋታት የንቈልቁል ከምዘሎ፡ ብሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮን ካልኦት ምኽንያታትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋታት ስለዘለዉ ግዳ፡ ውሁድ ጻዕሪ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ክሕይል ዘዘኻኸረ መምህር በላይ፡ ደግሲ መሃይምነት ንምግታእ በብከባቢኡ ተኸፊተን ዘለዋ 22 ኮማውያን ኣብያተ-ንባብ፡ ህዝቢ ብግቡእ ክጥቀመለን ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ዜጋታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምቕራብ፡ ምምሕዳር ዞባ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories