ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣመሓዳሪ ባንክ ኤርትራ-ነበር፡ ገዲም ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ፡ ትማሊ 15 ሚያዝያ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ብልዑል ማዕርግ ተፈጺሙ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ስድራ-ቤትን መቕርብን፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መቓልስቱ፡ መሳርሕቱን ኣፍቀርቱን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብ ዕድመኡ ንሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነትን ህንጸት ሃገርን ዘወፈየ ሓርበኛ ምንባሩ፡ ኣብ ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ሂወቱ ተጠቒሱ ኣሎ።

ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ፡ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጐማ “ሶፍያ” ዘርእስታ ልብ-ወለድ ታሪኽ ፍልስፍና፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ታሪኽ ሂወቱ ኣቢሉ ገለ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘዘንትወላ “ካብ ሪቕ – ሕፍንቲ” ዘርእስታ መበቈላዊት መጽሓፍ ንኣንበብቲ ብምቕራብ፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ዘይበርስ ሓድጊ ዝገደፈ ጸሓፊ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1980 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት – ኣብ ክፍሊ ዜናን ማሕበር ረድኤት ኤርትራን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ድሕሪ ናጽነት – ካብ 1992 ክሳብ 1994 ከም ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፡ ካብ 1995 ክሳብ 2003 ድማ ኣመሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ኰይኑ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ብ14 ሚያዝያ ወጋሕታ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ዝተሰውአ ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ደቂን እዩ።

ባንክ ኤርትራ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ። (ሓጺር ታሪኽ ሂወት ስዉእ ተጋዳላይ ተኪኤ በየነ ኣብ ገጽ 2 ቀሪቡ ኣሎ)

Categories