ዝተወጠነ መደብ ልምዓት ጥሪትን ዘራእትን ንምዕዋት፡ ካብኦም ዝሕተት ክፍጽሙ ድሉዋት ምህላዎም፡ ኣብ ምርባሕን ምስባሕን ከብቲ፡ ልምዓት ጀራዲንን ክረምታዊ ሕርሻን ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ገሊጾም።

ነቲ መደብ ብዝምልከት ብ9 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቶም ሓረስቶት፡ መንግስቲ ዘድሊ ናይ ማሕረስን ዘራእትን ካልእ ደገፍን እንተደኣ ገይሩሎም፡ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ጉዳይ መለሳ መሬትን፡ ቅጥዒ ዝሰኣነ ክራይ ናይ ግሊ ትራክተራትን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ዓንቀጽቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ጠንቅታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ልዑል ኣድህቦ ክወሃቦም ዘዘኻኸሩ’ቶም ሓረስቶት፡ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ክፍቀደሎምን፡ ጸባ ዝምስራሓ ትካላት ንምቛም ዝካየድ መስርሕ ክቀላጠፍን ጸዊዖም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ሜጀር ክብረኣብ ኣብርሃም፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ እቶታውነት ዘዕቢ ሜላታት ሕርሻ ብምስፋሕ ምህርቲ ብመጠንን ዓይነትን ንምዕባይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ውጥን – ናይ ዘርኢን መድሃኒትን ሓገዝ ምግባር፡ መመስርሒ ኣሕምልቲ፡ ጸባን ስጋን ምስፋሕ፡ ከምኡ’ውን ብስማዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ማሕረስ ዝህባ ትራክተራት ምቕራብ ስለዘጠቓልል፡ ዝዓበየ ክፋል ሕቶታት ሓረስቶት ዝምልስ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ መነባብሮ ዜጋታት ንምጥጣሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ሓረስቶት ንጡፍ ተራኦም ክጻወቱ ብምልባው፡ ኣብ መስርሕ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምውጋድ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውህሃድ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories