ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ማዕረማዕረ’ቲ ኣብ ዝርጋሐ ትካላት ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል ዝተወሃሃደ ጐስጓሳት ክካየድ፡ ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ማሕሙድ እድሪስ ኣዘኻኺሩ።

መምህር ማሕሙድ፡ ኣብ’ታ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ዘለዋ ንኡስ ዞባ፡ 14 ኣብያተ-ትምህርቲ ተኸፊተን ስሩዕ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ግን ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ክፋል ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ሰብኽ-ሳግማዊ መጓሰ ዝተመርኰሰ ብምዃኑ፡ ብርክት ዝበሉ ቈልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተገሊሎም ከምዘለዉ ዝሓበረ መምህር ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 5,600 ኣብ ክሊ ዕድመ ትምህርቲ እናሃለዉ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝረሓቑ ቈልዑ ምህላዎም ከምእተረጋገጸ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ካብ’ተን 13 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ 11 ከባቢታት ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘሎ፡ እንተኾነ – ብድምር 1,800 ተመሃሮ ጥራይ ከምዘለዉ ሓቢሩ። እቲ ጉዳይ ዕቱብ ቈላሕታን ሓያል ጐስጓሳትን የድልዮ ከምዘሎ ድማ ኣገንዚቡ።

Categories