ኣልማዕቲ ጀራዲን ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ፍርያቶም ብመጠንን ዓይነትን ንምምዕባል ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣቶ መሓመድ እስማዒልን ኣቶ ዳዊት ኪዳነን፡ ነቲ ብልምድን ተመኵሮን ዘካይዱዎ ዕዮ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ንምድጋፉ፡ ደገፍ ሚኒስትሪ ሕርሻ ከይፍለዮም ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ቴድሮስ ገብረማርያም፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ወሰናስን ሩባ ባርካ ዝለምዕ 1,320 ሄክታር ጀራዲን ከምዘሎን፡ እቲ 700 ሄክታር ካብኡ ፍረታት፡ 500 ሄክታር ኣሕምልቲ፡ ዝተረፈ 120 ሄክታር ድማ ቀጠልያ መግቢ እንሳሳ ምዃኑን ገሊጹ።

ኣቑርደትን ከባቢኡን ንፍርያት ባናና ኣዝዩ ምቹእ ስለዝኾነ፡ ጠለብ ውሽጣዊ ዕዳጋ ንምምላእን ኪኖኡ ንምጥማትን፡ እቶም ኣልማዕቲ – ማሕበሮምን ኣገባብ ኣሰራርሓኡን ንምሕያል ክጽዕሩ ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ከባቢ – ካብ’ቲ ፍቑድ ንላዕሊ መሬት ምግባት፡ ኣብ እዋኑ ግብሪ መንግስቲ ዘይምኽፋል፡ ዝተወስደ መሬት ብግቡእ ዘይምልማዕ ዘጠቓልል ብርክት ዝበለ ጥሕሰት ሕጊ ከምዝርአ፡ እዚ ነቲ ብኣብነታውያን ኣልማዕቲ ዝካየድ ንጥፈታት ዝዕንቅፍ ብምዃኑ – መግትኢ ዝኸውን ጽጹይ መጽናዕቲ ተዳልዩ ከምዘሎ እውን ኣገንዚቡ።

Categories