‘ኒፕሲ ሃሰል’ ብዝብል ናይ መድረኽ ስሙ ዝፍለጥ – ናይ ‘ራፕ’ ድምጻዊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርምያስ ዳዊት ኣስገዶም፡ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ስሙ ኣብ መዝገብ ባይቶ ኣመሪካ ክሰፍር፡ ብ10 ሚያዝያ ተወሲኑ።

በዚ መሰረት፡ ንማሕበረ-ሰብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ሎስኣንጀለስ ዝፈጸሞ ሰናይ ተግባራት፡ ሰባት ንምሕጋዝ ዝወሰዶም ተበግሶታት፡ ተመሃሮ ንምትብባዕ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘካየዶ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ናይ ብረት መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዘካየዶ ጐስጓስ – ነባሪ ክብሪ ንምሃቡ፡ ስሙ ኣብ’ቲ መዝገብ ከምዝሰፍር ዝገበሩ እዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ኤርምያስ ዝተቐትለሉ ከባቢ፡ ክልተ ቀንዲ ጐደናታት ዝራኸቡሉ ኣደባባይ፡ ‘ኤርምያስ ኒፕሲ ሃሰል ኣስገዶም ስኴር’ ተባሂሉ ክስየም፡ ንሎሚ ዓርቢ 12 ሚያዝያ ቈጸራ ተታሒዙ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

መዝገብ ባይቶ፡ ማለት ‘ኮንግረሽናል ሪከርድ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰነድ፡ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመሪካውያን ዝወሃብ ኣፍልጦ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ንወለዶታት ዝቕጽል እዩ።

ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርምያስ ዳዊት ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃሰል)፡ ብ31 መጋቢት ኣብ ኣፍ-ደገ ናይ’ቲ ዝውንኖ ትካል መሸጣ ክዳውንቲ፡ ብመጥቃዕቲ ፈኲስ ብረት ከም እተቐትለ ይዝከር።

Categories