ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራእየ ኣንበጣ ምድረባዳን ካልኦት ሳገምቲ ባልዓትን ንምክልኻል ዝተኻየደ ወፍሪን ውጽኢቱን ዝግምግም ኣኼባ፡ ብ5 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ክኢላታት ሕርሻን ካልኦትን ዝተሳተፉዎ ገምጋም፡ ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ተስፊት ገብረእግዚኣብሄር፡ ሎም-ዘመን ክራማት ኣብቲ ዞባ ጽቡቕ ስለዝነበረ፡ ንምርባሕ ኣንበጣን ካልኦት ባልዓትን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረ ጠቒሱ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ልሙድ ተርእዮ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ተደረብቲ ሓደገኛ ሳገምቲ ባልዓት ከምእተራእዩ፡ ንምክልኻሎም ድማ ድርብ መኸተ ከምዝሓተተ ገሊጹ።

ኣብ ነቝጣታት እማህሚመ፡ ግራት፡ ጋድም-ሓሊብ፡ ቅሮራ፡ ግልቡብ፡ ሽዕብ፡ እምበረሚን ፎሮን ብኣጋኡ ሓያል ናይ ምክልኻልን ምጥፋእን ዕማማት ስለዝተኻየደ፡ ዘራእቲ፡ መገሃጫን ኩነታት ጥሪትን ክወሓስ ከምእተኻእለ ብምሕባር ድማ፡ ተራን ኣበርክቶን ህዝቢን ሓረስቶትን ብሓፈሻ፡ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ቅሮራ፡ ኣፍዓበትን ፎሮን ከኣ ብፍላይ ኣብ ምዕዋት’ቲ ወፍሪ ልዑል ከምዝነበረ ኣረዲኡ።

ነዚ ተርእዮ ኣንበጣ ምድረበዳን ካልኦት ሳገምቲ ባልዓትን ንምክልኻልን ንምጥፋእን፡ ኣብ ክልተ ገጻት ዝተሰላሰለ ወፍሪ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ሓረስቶትን ልዕሊ 40 ክኢላታትን መራሕቲ መካይንን ከምእተሳተፉዎ እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ምክትታል፡ ደገፍ ምምሕዳር ዞባ ከም ወትሩ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሻቕሎት ወራር ኣንበጣ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዞባውን ዓለማውን ዛዕባ ምዃኑ ብምሕባር፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ተመሳሳሊ ወፍሪ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዕቱብ ይነጥፈሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories