ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዓቕሚ ኣባላቱ ንምብራኽ ዘካይዶ ስርሓት፡ ብመባእታዊ ድሕነት ባሕሪ ዘሰልጠኖም 31 ኣባላቱ ብ6 ሚያዝያ ኣመሪቑ።

እቲ ስልጠና፡ ውልቃዊ ናይ ምድሓን ሜላታት፡ ምቁጽጻርን ምጥፋእን ባርዕ፡ ቀዳማይ ረድኤትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ ስለዝኾነት፡ እቲ ስልጠና በቲ ውድብ ዝሕተት ቅጥዕታት ንምምላእ ከምእተዋህበ ተገሊጹ።

እዚ ስልጠና’ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2010 ኣብ ማኒላ – ፍሊፕንስ ዝተኣታተወ ደረጃ ስልጠና ኮይኑ፡ ኣገባብ ሓለዋ ኣብ መራኽብ ዝሓቶ ቅጥዒ ዘማልእ ኣህጉራዊ ወረቐት ምስክር ዘውህብ እዩ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስልጠና፡ 16 ካብ’ቶም ምሩቓት፡ ብምምራሕ መራኽብ ግቡእ ትምህርቲ ቀሲሞም ብኣዕጋቢ ነጥቢ ከም ዝዛዘሙ ተሓቢሩ።

Categories