መበል 31 ዓመት ምድምሳስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን፡ ብ19 መጋቢት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪሩ።

ኣብቲ ብሰልፊ ህዝብን ሰራዊትን ተሰንዩ ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ኲናት ምድምሳስ ‘ናደው እዝ’ ብመጽናዕቱ፡ ኣወዳድባኡ፡ ጽፈቱ፡ ቅልጣፈኡን ወተሃደራዊ ብቕዓቱን ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ፍሉይ ምዕራፍ ዝሕዝ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ቀያሕቲ ዕምባባ ብዘቕረቡዎ ነቲ ፍጻመን ታሪኽን ዘንጸባርቕ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ስፖርታዊ ውድድራትን ምትካል ፈልሲታት ገረብን ዝተሰነየ ነይሩ።

ብምኽንያት እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ማሕበር ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ሓፋሽ ውድባትን ማእከላይ ምብራቕ-ነበር፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ህዝባውያን ማሕበራትን ዓበይቲ ዓድን ዝተረኽቡሉ ናይ ምሳሕ እንግዶት ክግበር እንከሎ፡ ንዝተሓልፈ ጽንኩር ኩነታት ቃልሲ ዝገልጽ ተዘክሮታት እውን ከምዝቐረበ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 19 ክሳብ 23 መጋቢት 1988 ኣብ ግንባር ናቕፋ ብዝኸፈቶ በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ ዝምካሓሉ ዝነበረ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራዊት ዝነበሮ ‘ናደው እዝ’ ምሉእ ብምሉእ ብምድምሳስ፡ ንከተማ ኣፍዓበት ሓራ ከምዘውጸኣ ይዝከር።

ኣብ’ዚ “መሰታ ድየን ብየን ፉ” ተባሂሉ ኣብ ዓለም ድሙቕ መቓልሕ ዝመለሰ መጥቃዕቲ፡ ህዝባዊ ግንባር – ብርክት ዝበለ ስትራተጅያዊ ኣጽዋርን ሶቭየታውያን ኣማኸርትን ከምዝማረኸ ኣይርሳዕን።

Categories