ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ መደባት ኮማዊ ጽሬት ዝዘተየ ዋዕላ – ብ19 መጋቢት ኣቃኒዑ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ኣብ ገጠራት ተሰሪሑ ዘሎ ዓይኒ-ምድሪ ቀጻልነቱ ንምውሓስ፡ ዓዳዊ ሕግታት ወጺኡ ክስራሓሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ዶክተር ተስፋይ ሰለሙን፡ ኣብ ደገ ቀልቀል ንዘይምውጻእ – ዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ምህላዉ፡ ስለ’ዚ ድማ ብደረጃ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ኣስታት 89 ዓድታት ተሓጺሩ ንዘሎ ተጠቃምነት ዓይኒምድሪ ንምስፋሕ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ኣብርሃም በላይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባ ማእከል 95 ሚእታዊት በጺሑ ዝነበረ ሸፈነ ከባብያዊ ጽሬት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናብ 60 ሚእታዊት ምውራዱ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ዘድሊ ናውቲ ጽሬት ክቕረብ፡ ትሕተ-ቅርጺ ህዝባውያን ዓይኒ-ምድሪ ንምምሕያሽ እኹል ባጀት ክስላዕ፡ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምውሓስ ከባቢያዊ ጽሬት ዘተኰረ መደባት ከቃልሓ፡ ንኣብነታውያን ዜጋታት ምትብባዕ ክግበር ዝብሉ ለበዋታት ኣሕሊፎም።

Categories