ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ብያታዊ ትልሂት ዘሰልጠኖም 47 ሞያውያን፡ ብ17 መጋቢት ተመሪቖም።

እቲ ንሓደ ወርሒ ብክልሰሓሳብን ግብርን ዝተዋህበ ስልጠና፡ ትርጒም፡ መበቈላዊ ኣቀራርባ፡ ልክዕነት ትልሂት፡ ከምኡ’ውን ኣልባሳትን ስልማትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ምዝዛም ስነስርዓት፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ትልሂት ኣብ ምትሕልላፍ ባህልን መልእኽትን ርእሱ ዝኸኣለን መሳጥን ዓውዲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ስነ-ፍልጠታዊ መረዳእታ ሒዞም ክሰርሑሉን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሑዎን ኣዘኻኺሩ።

ተመረቕቲ፡ እቲ ትምህርቲ – ነቲ ብትዕዝብቲ ጥራይ ከቕርቡዎ ዝጸንሑ ትልሂታት ብሄራት ኤርትራ፡ ብዕምቈት ክርድኡዎ ከምዘኽኣሎም ሓቢሮም።

Categories