ኤርትራ፡ ንዝነበረ ስግኣት ተርእዮ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ከም እተቘጻጸረቶ፡ ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት – ፈጻሚ ጸሓፊ ኮሚሽን ማእከላይ ዞባ ምቊጽጻር ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ኣሰይድ ማእሙን ኣልዓለዊ ገሊጹ።

ንኩነታት ኣንበጣ ምድረ-በዳ ኣብ ኤርትራን ሚኒስትሪ ሕርሻ ንምቊጽጻሩ ዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርታትን ብኣካል ንምዕዛብ ዝመጸ ኣሰይድ ማእሙን፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ 32 ሽሕ ሄክታር ንዝነበረ ስግኣት ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንምቊጽጻርን ንምግታእን ዝተሰላሰለ ዕማም ዕዉት ምንባሩ፡ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ብባህሪኡ ዶብ-ሰገር ስግኣት ስለዝኾነ ግን፡ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ክኸውን ግድነታዊ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ግብጺን የመንን ኣብቲ ንምፍራይ ኣንበጣ ምቹእ ዝኾነ ከባቢ ስለዝርከባ፡ ቀጻሊ ስራሕን ውህደትን ከምዘድልየን ዝሓበረ ኣሰይድ ማእሙን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ 80 ሽሕ ሄክታር ንዝጸንሐ ስግኣት ብምጥቃስ፡ ንምብዳሁን ንምቕንጣጡን፡ ኣብ መንጎ’ተን ሃገራትን ካልኦት ሃገራት ናይ’ቲ ዞባን፡ ዘላቒ፡ ውሁድን ተመላላእን ጻዕሪ ክወሓስ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣንበጣ ምድረ-በዳ ዝፋረየሉ ቦታ ሰፊሕ፡ ንኽትድህስሶን ክትቈጻጸሮን ድማ ኣሸጋሪ ምዃኑ ዝገለጸ ኣሰይድ ማእሙን፡ ተራ ናይ’ቶም ኰለላታት ብምክያድ ቅልጡፍ ሓበሬታ ዝህቡ ዳህሰስቲ ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ኤርትራ ንዝተዓዘቦ ኣድማዒ ኣበርክቶ ዳህሰስቲ ሞጒሱ።

ኮሚሽን ማእከላይ ዞባ ምክልኻል ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ን16 ሃገራት ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ጂቡቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ንኣንበጣ ምድረ-በዳ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መንገዲ ቅሉዓት ዝኾና ሃገራት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ካይሮ – ግብጺ እዩ።

Categories