ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተመሃሮ ተቐቢላ ንሃገራዊ መልቀቒ ፈተና እተዳሉ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ-ሳዋ፡ ብ12ን 13ን መጋቢት ገምጋም ስራሕ ኣካዪዳ።

ኣብቲ ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣሃዱታት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ካልኦትን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ርእሰመምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ርእሶም ገብረሂወት፡ ሎሚ ዓመት – ካብ 103 ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ፡ 50.3 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 13,559 ተመሃሮ ተቐቢላ ከተምህር ከምዝሓገየት ገሊጹ።

ዘይምምዳብ መማህራን ኣብ እዋኑ፡ ትሑት መጠን ምሕላፍን ትሑት ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮን፡ ካብቲ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርአ ጸገማት ምዃኑ ዝሓበረ መምህር ርእሶም፡ ውጽኢት ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ይንኪ ስለዘሎ – ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረለን፡ ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ ዝለዓለ ወፍርን ጻዕርን ክካየድ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ኣብ ዞባታት ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ጻዕረን ከሐይላ፡ ትምህርቲ መዘና ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ብቑዕ ዲጂታላዊ ቤተንባብ ክዋደድ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ነቲ ገምጋማዊ ኣኼባ ኩሎም’ቶም ኣብ ዞባታት ዝነጥፉ ፈጸምቲ ኣካላት ተሳቲፎምዎ ብምህላዎም፡ ዝጸንሐ ጉድለታት ብኣጋ ተኣሪሙ ንዝለዓለ ውጽኢት ክጽዓር ተላብዩ።

ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ-ሳዋ፡ ካብ እትጅምር – ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ ተቐቢላ ከምዘምሃረት ሰነዳታ የረድኡ።

Categories