ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ ንኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ቃልሲ ዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ወዲቦም።

ብመሰረት ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጎላ፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ እስራኤል፡ ሱዳን፡ ኩዌትን ፈረንሳን ዝነብሩ ዜጋታት፡ “ሰላም ውጽኢት ጽንዓትና፡ ልምዓት ፍረ ዕዮና” ብዝብል ቴማ በብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ጽንብላት፡ ድርብ ቃልሲ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲን ዘመዝገበቶ ዓብን ታሪኻውን ዓወታት፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ ዝሕዝ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ሓያሎ ከተማታት ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ሆላንድ፡ ዴንማርክን ካልኦት ሃገራትን ዝነብሩ ዜጋታት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝወደብዎ ጽንብላት፡ ደገፎም ንቃልሲ ደቂኣንስትዮ ንምሉእ ኣግእዞ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ኣደ-መንበር ጨንፈር ሃማደኤ ወይዘሮ ስዒዳ መሓመድ ጣሃ፡ ኣባላት’ቲ ውዳቤ ንረዚን ታሪኽ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ተገንዚበን፡ ኣበርክቶአን ዝያዳ ንምዕዛዝ ክሰርሓ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ኢጣልያ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስን ኣደመንበር ሃማደኤ ኣብ ኤውሮጳ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ እታ ዕለት፡ ንተወፋይነትን መስዋእትነትን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ከምእተኸብረት፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories