ገዲም ተጋዳላይ ሓሰን ዑመር ሼኽ መሓመድ (ወዲ ሼኽ)፡ ብ4 መጋቢት ኣብ መስመር ኣፍዓበት – ከረን፡ መስሓሊት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና፡ ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1974 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብሚስጢር ተወዲቡ ቃልሱ ዝጀመረ ተጋዳላይ ሓሰን ዑመር፡ ከተማ ኣፍዓበት ነጻ ምስ ወጸት ህዝባዊ ሽማግለ ናይ’ታ ከተማ ኮይኑ ተመሪጹ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1977 ብረት ዓጢቑ።

ኣብ 1979 ኣብ ዝተኻየደ ውዳቤታት ህዝባዊ ባይቶ፡ ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ባይቶ ከተማ ኣፍዓበትን ከባቢኣን ብምዃን ሃገራዊ ግቡኡ ክፍጽም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1983 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ምኽትል ኣቦ-መንበርን፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣውራጃ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ንህዝቡን ሃገሩን ብብቕዓትን ተወፋይነትን ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ስዉእ ሓርበኛ ሓሰን ዑመር ሼኽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 8 ቈልዑን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ብ5 መጋቢት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ከረን ተፈጺሙ።

ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ሓሰን ዑመር ሼኽ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories