ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዓፋርን ጋምቤላን፡ ሎሚ 14 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ናይ ዕርቂ ውዕል ከቲሙ።

ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ዓፋር ማለት ‘ኡጉጉሞን’ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ዓይሻ መሓመድን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ዓፋር – ዑስማን መሓመድን፡ ብወገን ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ዓፋር ድማ መራሒ ናይ’ቲ ውድብ ሙሳ ኢብራሂምን ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ጀነራል ኣራብ ዓብዲላን’ዮም ከቲሞምሉ።

ብመሰረት’ዚ ስምምዕ፡ ን41 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ውድብ ‘ኡጉጉሞ’፡ ቃልሱ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ መገዲ ክቕጽል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ንምድጋፍ ብሕገ-መንግስቲ’ታ ሃገር ተገዚኡ ክሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ንትግባረ ናይ’ዚ ስምምዕ እትከታተል ኮሚተ ክትቀውም ተረዳዲኦም።

ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝቢ ጋምቤላን ዝተበጽሐ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ድማ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኦሞድ ኦጁሉ፡ ብወገን ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝቢ ጋምቤላ ከኣ ኣቦ-መንበር’ቲ ውድብ ኦኬሎ ኦኪጺ’ዮም ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኦሞድ ኦጁሉ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤትዮጵያ መጺኡ ብዘሎ ንሰላማዊ ቃልሲ ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ዝተፈላለያ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ከካይዳ ዝጸንሓ ውድባት፡ ምስ መንግስቲ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ክኽትማ ምጽንሐን ብምጥቃስ፡ እዚ ምስ ምንቅስቓሶም ዝተበጽሐ ስምምዕ’ውን መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣቦ-መንበር ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝቢ ጋምቤላ ኦኬሎ ኦኪጺ ብግደኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዘሎ ንሰላማዊ ቃልሲ ዘተባብዕ እወታዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ መገዲ ንምቕጻሉ ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ገሊጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ’ውን ምስ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ውዕላት ከምዝኸተመ ዝዝከር’ዩ።

Categories