ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ 18 ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝካየድ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ፡ ተመሃሮ ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓበሬታ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ዳይረክተር ማእከል ፈተና ዶ/ር ብስራት ገብሩ ብ13 መጋቢት ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ፈተና ንተመሃሮ ናይ ህይወቶም መቐይሮ ስለዝኾነ፡ ንኣገባቡ ዝምልከት ግቡእ ሓበሬታ ሰኒቖም ክኣትዉ መሰረታዊ ምዃኑ ገሊጻ። ኣገባብ ፈተና ከከም ዓውደ-ትምህርቱ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚእታዊት – ምረጽ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብጽሑፍ ዝምለስ ከምዝኾነ እውን ሓቢራ።

እቲ ፈተና ብ13 ዓይነታት ዓውደትምህርቲ ከምዝወሃብ፡ እንተዀነ ግን ሓደ ተመሃራይ ግድን ብኹለን ይፍተን ማለት ከምዘይኮነ ዘነጸረት ዶክተር ብስራት፡ እንግሊዝን ቊጽርን ንኹሉን ብሓባርን ዝወሃብ ምዃኑን፡ ካብ’ተን ካልኦት ድማ ሓደ ተመሃራይ ብምርጫኡን ከከም ዝምባለኡን ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ክወስድ ከምዝኽእልን ኣረዲኣ።

ኣብ ኣገዳስነት ምኽባር ግዜ ኣብ እዋን ፈተና – ጸቒጣ ዝተዛረበት ዶክተር ብስራት፡ ተፈተንቲ ብኣጋ ኣብ መፈተኒ ቦታ ክርከቡን ደንጒኻ ምምጻእ ከምዘይፍቀድን ኣገንዚባ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ፡ ነቶም ጥቓ-ጥቓ ኮፍ ዝብሉ ተመሃሮ ብዓይነት ዝተፈለየ ኣገባብ ፈተና ተዳልዩ ምህላዉ፡ ኣብ ምእራም ድማ ሓድሽ ሶፍት-ዌር ተኣታትዩ ከምዘሎ ገሊጻ።

Categories