ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ፡ ጸረ-ባልዕ ዘለዎ ኮሚደረ ኣብ ዕዳጋታት ይርአ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኣስተውዒሉ ክገዝእ፡ ንሓረስቶት፡ ነጋዶን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ብ7 መጋቢት ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዞባ ጋሽ ባርካ ኣቢሉ ንተጠቀምቲ ኣብ ዝተሸጠ ኮሚደረ ዝተራእየ በካሊ ባእታታት ንምውጋድ፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ህዝቢን ነጋዶን ክብ ብምባል ካብ ሳዕቤናቱ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ዞባዊ ኣገልግሎት ቁጽጽር ኣቶ ተስፋስላሰ ተስፋሚካኤል ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ፡ ብደረጃ ዓለም – ብሰንኪ ጸረ-ባልዕ መድኒት ኣብ ዓመት ኣስታት 3 ሚልዮን ናይ ምምራዝ ሓደጋን 20 ሽሕ ሞትን ከምዘጋጥም ጠቒሱ፡ እቲ ተርእዮ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘዳኽም፡ መኻንነት ከም ዘስዕብ፡ ከምኡ’ውን ጠንቂ ሕማማት መንሽሮ፡ ኩሊት፡ ናይ ኣእምሮን ምስተንፋስን ጸገማት ንካልእን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ሓረስቶት ኣብ ኮሚደረ ጸረ-ባልዕ ክጥቀሙ ምስ ዝደልዩ፡ ኣብ ፍረ ቅድሚ ምብጽሑ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ክኢላ ዞባዊ ምኽልካል ቡቕሊ ኣቶ ጴጥሮስ ሃብተሚካኤል ብግዲኡ፡ ተኽሊ ኮሚደረ ካብ ምፍላስ ክሳብ ምፍራይ ቀጻሊ ኩለላን ጽሬትን ስለ ዘድልዮ፡ ግዝዋ እትዕቁበሉ ቦታታት ኣለሊኻ መድሃኒት ምንጻግ፡ ለመምቲ ሓሰኻ ኣብ ዝራኣዩሉ፡ ንቘጽሊን ጉንድን ስለ ዘጥቅዑ ግቡእ ዓቐን መድሃኒት ምንጻግ፡ ኣብ ኮሚደረ ዝግበር መድሃኒት ድማ ቅድሚ ምቕንጣብ ፍረ- ቅድሚ 21 መዓልታት ክኸውን ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ዝተበከለ ኮሚደረ ዝሸጡ ክሳብ ፍቓድ ንግዲ ምሕዳግ ዝበጽሕ ስጕምቲ ክውሰደሎም፡ ንሓረስቶት ድማ ቀጻሊ ጐስጓሳትን ትምህርትን ክወሃብ ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

“መድሃኒቲ ጸረ ባልዕ ብግቡእ እንተዘይተጠቒምካሉ ቀታሊ እዩ” ዝበለ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ የማነ ኣባይ፡ ሓረስቶት ግቡእ ኣጠቓቕማ ጸረባልዕ መድሃኒት ከዘውትሩን ኪንዮ ኣታዊታቶም፡ ጥዕናን ውሕስነትን ህዝቢ ከቐድሙን ተላብዩ።

Categories