ብምኽንያት 8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣባላት ሃማደኤ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ፡ ትማሊ 9 መጋቢት ንጽጉማት ወገናተን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪተን።

ኣብቲ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወ/ሮ ኣለም በላይ፡ ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ ወ/ሮ ትብለጽ ተወልደን ነበርቲ ምምሕዳር ጐዳይፍን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ብኮሚቴ ዝተለለያ 16 ጽጉማት ደቂኣንስትዮ፡ ነፍሲ-ወከፈን 1500 ናቕፋ ሓገዝ ተገይሩለን።

እተን ሓገዝ ዝተገብረለን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ስድራስውኣት፡ ምጽጉዓት፡ ጠዋሪ ዝሰኣና ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ቈልዑ ዝኣልያን እየን።

እተን ዜጋታት፡ ኣባላት ሃማደኤ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ፡ ንዘለወን ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ተገንዚበን – ንምሕጋዘን ንዝወሰዳኦ ተበግሶ ኣመስጊነን።

ኣብ ካልእ ዜና – ብኣጋጣሚ’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ገጀረት ዝርከባ ልዕሊ 96 ነጥቢ ዘምጸኣ ጐባልል ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ክሽለማ እንከለዋ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣባ-ሻውል ድማ፡ ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመታት ኣብ ንጥፈታት ሃማደኤ ብተወፋይነት ከገልግላ ዝጸንሓ ገዳይም ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ምስጋና ወረቐት ተዋሂበን።

Categories