ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ብ7 መጋቢት – ካብ መስከረም 2018 ክሳብ ጥሪ 2019 ዝተሰላሰለ ስራሕ ገምጊሙ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣካላት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ወከልቲ ባይቶን ኮሚተ ወለድን ዝተረኽቡሉ መንፈቓዊ ገምጋም፡ ሸውዓተ ንኡሳን ዞባታት ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፋ ናይ ግሊ ትካላት ሞያዊ ትምህርቲ፡ ንጥፈታተን ኣቕሪበን።

ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝነበሩ ብልጫታትን ድኽመታትን፡ መጠን ዝሓለፉን ዝተረፉን ተመሃሮ ብሚእታዊት፡ መጠን ምቊራጽ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ምኽንያታቱ፡ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ብቕዓት ትካላት ኣብያተ-ትምህርትን ሕጽረታተንን ብሰፊሕ ተገምጊሙ።

ብደረጃ ዞባ – መጠን ምሕላፍ ኣብ መባእታ ልዕሊ 93 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 86 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ 81 ሚእታዊት ምንባሩ ድማ ተገሊጹ።

ምቁራጽ ተመሃሮ፡ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት – ልዕሊ ሓደ ሚእታዊት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ 4 ሚእታዊት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት – ጋላ-ነፍሒ፡ በሪኽን ሰረጀቓን ዋሕዲ መማህራን ከምዘሎ፡ ትሕተ-ቅርጺ ናይ ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከምዝርከብ እውን ተመልኪቱ።

Categories