ነበርቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክሰላሰሉ ተወጢኖም ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ንምድንፋዕ፡ ውዳቤታቶም ብምሕያል ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ፡ ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ቲ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ 17 ምምሕዳራት ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ፡ ዝውጠን መደባት ብዘይ ውዱብን ኣድማዒን ተሳትፎ ህዝቢ ክዕወት ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ውዳቤታቱ ኣሐዪሉ ክነጥፍ ኣዘኻኺሩ።

ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፡ ንዝያዳ ዕዮ ዝድርኽ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ነበርቲ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ዲጋታትን ራህያታትን ተጠቒሞም፡ ኣብ መነባብሮኦም ለውጢ ንምምጻእ ጻዕርታት ከካይዱ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዕደላ ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ብዝቐልጠፈ ክትግበር፡ ንመግሃጫ ዝኸውን ቦታታት ክውሰን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ናይ ምህብታም መደባት ብዝሓየለ ክድፋኣሉ፡ ክራማት ከበሳ ቅድሚ ምጅማሩ ዓግማት ክስራሕን ክጽገንን ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories