ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ብምንጽጻር ብ4 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ንጥፈታት ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ጸሃየ ብርሃነ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 11 ክፍሊ 10,512 ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘለዉ፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ድማ ዘተባብዕ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ ናይ መዋእለ ህጻናት ዕድል ንዘይረኽቡ ቈልዑ – ኣብያተ-ትምህርቲ ብዕቱብ ክሰርሓሉ፡ ኮሚቴ ወለዲ ድማ ዝያዳ ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣኼባ፡ ዘይተገዳስነት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ራሕቂ ቦታን፡ ገለ ካብቶም ንተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

Categories