ናይ 2019 ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና – ማትሪክ፡ ካብ 18 ክሳብ 23 መጋቢት ክወሃብ ምዃኑ፡ ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ኣፍሊጡ።

እቲ ማእከል፡ መዓልታዊ ተመሃሮ ኣብ ቤትትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ (ሳዋ)፡ ኣብ ዞባታት ዝርከቡ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣኣብ ዝመሃሩሉ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-ኪነትን ኮማዊ ኮሌጅ ትምህርቲ ኣስመራን ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ኩሎም ናይ ምሸታዊ ተማሃሮን ዳግማይ ተፈተንትን ድማ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ከምዝፍተኑ ገሊጹ ኣሎ።

ብዘይ መፈተኒ ካርድ ምፍታን ከምዘይከኣል ዘዘኻኸረ ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን፡ ተፈተንቲ ካርዶም ካብቲ ዝተመዝገቡሉ ቤት-ትምህርቲ ክወስዱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ኣብ ኣስመራ ንዝፍተኑ ተመሃሮ – ዕለት 15 መጋቢት፡ ኣብ ዞባታት ንዝፍተኑ ድማ ዕለት 17 መጋቢት – ንፈተና ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ክወሃብ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

Categories