ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓሊግድር – ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ ቀረባኦም ኣገልግሎታት ማይ፡ ትምህርቲ፡ ናይ 24 ሰዓታት ኤለክትሪክን ቴለፎንን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት መጐዓዝያ ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፡ ብወገን ኣገልግሎት ጥዕና ግን ቈላሕታ ዘድልዮ ጸገም ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓሊግድር፡ ኣቶ ፈረጅ ማሕሙድ፡ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርካብ – ናብ ተሰነይ ክጐዓዝ ይግደድ ብምህላዉ፡ ፍታሕ ክናደ ኣዘኻኺሩ።

ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንኣድማዕነቱ – ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ትሕተ-ቅርጽን መሳርሒታትን ቆላሕታ ክገብር ተላብዩ።

Categories