ካብ ኢትዮጵያ 4400 ዝተተምየነ ዶላር ኣመሪካ ሒዞም ብ5 መጋቢት ብመንገዲ ሑመራ ናብ ኤርትራ ብምእታው፡ ኣብ ዕዳጋታት ንህዝቢ ከደናግሩ ዝፈተኑ 3 ኢትዮጵያውያን፡ ብምክትታል ፖሊስ ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ተታሒዞም።

እዞም ተስፋይ ሓጐስ፡ ሰሰን ሃይለን ጌሹ ጸጋይን ዝተባህሉ ክሱሳት፡ ኣድራሻኦም ኣብ ክልል ትግራይ – ሽረ እንዳስላሰ ኮይኑ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ 3 ሽሕ ትምዩን ዶላር ኣመሪካ ብ55 ሽሕ ናቕፋ ኣሽሪፎም፡ ዝተረፈ 1400 ዝተተምየነ ዶላር ኣብ ኢዶም እንከሎ ከም እተታሕዙ፡ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ንሳቶም፡ ካብ ትግራይ ኣ.ኣ.66623 ቁጽሪ ሰሌዳ ዝሰቐለት መኪና ተኻርዮም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ እውን ተፈሊጡ።

ፖሊስ ኤርትራ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ትምዩን ናይ ሓሶት ገንዘብ በብእዋኑ ይቀላቐል ስለዘሎ፡ ህዝቢ ትኵር ክኸውን፡ ንዝጠርጠሮ ድማ ናብ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ክሕብር ኣተሓሳሲቡ።

Categories