ሃገራዊ ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ መዓስከር ‘ኣውገት’ ንዝርከብ ኮማዊ ቤትንባብ፡ 20 ኮምፕዩተራትን ሓደ ሰርቨርን ሓገዝ ገይሩ።

ብ3 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ካብ’ቲ ማሕበር መምህር ገብረንጉስ ብርሃነ፡ ማሕበረ-ኮም ኣውገት ብተበግሶኦም ንንባብን ፍልጠትን ኣድህቦ ሂቦም ኮማዊ ቤት-ንባብ ንምቛም ዝወሰዱዎ ተበግሶ ሞጒሱ። ነቲ ድሮ ናብ ዲጂታል ተሰጋጊሩ ዘሎ ኮማዊ ቤት-ንባብ፡ ብግቡእ ክግልገሉሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ገጀረት ዝርከብ ኮማዊ ቤት-ንባብ ‘ኣውገት’፡ ኣብ 2009 እዩ ተኸፊቱ።

Categories