ኤርትራ፡ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ንኣገዳስነት ሓባራዊ ጻዕሪ ንምስፋን ሰላም ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ብዝተወሃሃደ መርገጺ ንምስራሕ ዝዓለመ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺአን።

እቲ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲትን፡ ትማሊ 4 መጋቢት ኣብ ከተማ ጁባ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ ወጺኡ።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ንኣገዳስነት ዞባዊ ውህደት ኣመልኪቶም ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ካልኦት መንግስታውያን ኣካላትን ጥቡቕ ርክብን ዕማማትን ከምዝህሉ ገይርካ ሓባራዊ መደባት ብምትግባር፡ ሸቶ ዞባዊ ቊጠባዊ ውህደትን ምምልላእ ጸጋታትን ንምውቃዕ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ከተማ ጁባ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ወከልቲ ህዝቢ ብዘቕረብዎ ባህላዊ መሰናድኦን ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩሎም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ጀነራል ሰዓረ-መኮነን፡ ከምኡ’ውን ዋና ዳይረክተር ጸጥታ ጀነራል ኣደም መሓመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ ኣማስያኡ ኣስመራ ኣትዩ።

Categories