ዕላል ጥበባት ምስ ኣባ ብርሃነ መስቀል ማቴዎስ
…በዓል ሞያ ሙዚቃ ኢዮም። ዛጊት ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ነቲ ሞያ ብስነ ፍልጠት ኬዕብይዎ፣ ክመራመርሉ፣ ንሓያሎ ሙዚቀኛታት ክምህርሉን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሑዎን ዝኽእልዎን ዝክኣሎምን ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለውን። ኣብ ካተድራለ ኣስመራ፣ መንደፈራ፣ ከረን፣ ሰገነይቲ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ርእሲ እቲ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም ንስነ ድምጽን ደሃያትን ብፍላይ ከኣ ንሙዚቃ ብዕምቈት ኣጽኒዖም። ነቲ ምርምር ብተክኖሎጂ ምእንቲ ክዝምን፣ ኣብ ርእስቲ ዝተፈላለየ ዝተማህርሉ ዓውድታት ስነ ሃይማኖትን ስነ ልቦናን ታሪኽን ፍልስፍና ፣ ስነፍልጠት ኮምፑተር ኣጽኒዖም። ኤርትራዊ ድምጽታት ጣዕመ ዜማ ጽዋ ቃና ወይ ሙዚቃ ናብ ረቂቕ ንዋት ኮምፑተር ንምስፋር ሓያል ጻዕርታት ኣብ ምግባር ይርከቡ።
ጋዜጥኛ ተስፋኣለም (ጫረ) ገብረስላሰ

Categories