ህዝብን ምምሕዳርን ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ምስ እዚ ምዕራባዊ ግንባር ብምትሕብባር፡ ነቶም ኣብ ሰለስቲኡ ዓይነታት ውድድር ‘ሽንግርዋ ኣካዳሚ’ 2017/2018 ቀዳማይ ዝወጽኡን ኣብ ደረጃ ዝኣተዉን ኣተባቢዖም።

ብ13 ለካቲት ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ ብደርፊ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ካብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ብትልሂትን ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃን ቀዳሞት ኮይኖም ዝተዓወቱ ካብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ – ነፍሲ ወከፎም 30 ሽሕ ናቕፋ ተሸሊሞም።

ብዘይካ’ዚ፡ ብደርፊ ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ‘ኣውላ’ ናይ እዚ ምዕራብ፡ ብያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ 3ይ ኮይኑ ዝተዓወተ ካብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ብትልሂት 4ይ ዝወጽአ ካብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ነፍሲ-ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ፡ ካብ ኢድ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለን ተቐቢሎም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ እድሪስ ሳልሕ፡ ንተወዳደርቲ ብሓፈሻ፡ ነቶም ዕዉታት ድማ ብፍላይ ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ዕቝር ዓቕሚ ንምምዕባልን ዝለዓለ ጻዕሪ ክካየድ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሰፊሕ ናይ ስነጥበብን ባህልን ጸጋታት ከምዝውንን ኣብ ውድድራት ሽንግርዋ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ዓወታት ከኣ መርኣያኡ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዞባ፡ ኣብ መዳይ ስፖርት እውን ተወዳዳሪ ኮይኑ ክቐርብ፡ ጻዕሪ ዝምልከቶም ኣካላት ክዓዝዝ ጸዊዑ። ምምሕዳር ዞባ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበር ዘለዎ ቅሩብነት ድማ ኣረጋጊጹ።

Categories