ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ የውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ብ11 ለካቲት ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዴንግ ዳው ዴንግ፡ ብ13 ለካቲት ድማ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ኣብ ጁባ ርክብ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ሳልቫኬርን ኣምባሳደር የውሃንስን፡ ኣብ ገስጋስ ናይ’ቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ኣብ ምርድዳእ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ብሰፊሑ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር በቲ ኣጋጣሚ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንህዝቢ ኤርትራን ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዴንግ ዳው ዴንግ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ድማ፡ ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ማሕበር ኤርትራውያን ወነንቲ ቦጣት ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ሚስተር ዴንግ ዳው፡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ብዝበለጸ ክጥቀሙሉን መሰላቶም ክወሓስን፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝከኣሎ ከምዝገብር ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ዜና ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ኣባላት ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኣብ ከተማታት – ደንቨር፡ ፎኔክስ፡ ሳን-በርናንዲኖ፡ ሳን-ዲየጎ፡ ሎስ ኣንጀለስ፡ ኦሬንጅ ካውንቲ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ9 ለካቲት – ሃገራዊ ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ዝዓለመ ናይ ዘተ መደብ ወዲቦም።

Categories