መበል 182 ዓመት ዝኽሪ ኤርትራዊ ሩስያዊ ገጣምን ደራሲን ኣሌክሳንደር ሰርገቪች ፑሽኪን፡ ብ11 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተተኽለ ሓወልቱ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ኣምባሳደር ሩስያ፡ ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን ምሩቓት ዩኒቨርስቲ ሕብረትሶቬት፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ጣልያን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዕድመ ዝተገብረሎም ካልኦትን ዝተረኽብሉ ዝኽሪ፡ ኣምባሳደር ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ዓዚም ያራኽመዶቭ፡ ኣብ ፍልስፍና፡ ኣብ ዝምድናታት ደቂ-ሰብ፡ ሂወት፡ ኣነባብራን ናጽነት ህዝብታትን ኣተኲሩ ዝተጻሕፈ ግጥምታት ፑሽኪን፡ ኣብ መላእ ዓለም ተነባብን ኣብ ልቢታት ዝሰርጽን ምዃኑ ሓቢሩ።

ዝኽሪ ናይ’ዚ ዓቢ ገጣምን ጸሓፍን ኣብ ኣስመራ ምዝካሩ – ሓበን ከምዝስምዖ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ፡ እዚ ንዝምድናታት ኤርትራን ፈደረሽን ሩስያን ዝድርዕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ግጥምታት ፑሽኪን – ብቋንቋ ሩስያ ተነቢቡን፡ ትርጉሙ ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያንን እንግሊዝን ተገሊጹን። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ሓወልቱ ሕቋፍ ዕንበባ ተነቢሩ።

ሓረግ ኣሌክሳንደር ሰርገቪች ፑሽኪን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ካብ እትርከብ ዓዲ-ሎጎ ኮይኑ፡ ኣቦኡ ሃኒባል ኣብ ታሪኽ ሩስያ ናይ ጀነራል ማዕርግ ከምዝነበሮ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

Categories