ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ኮም ዝሰረቱ መደባት ውሕስነት ጥዕና ክሳብ 2020 ብምልኣት ንምትግባር፡ ውጥን ኣውጺኡ ምስ መሻርኽቱ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ብ7 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ዝተረኽበሉ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን፡ ኣብ 2018 ካብ ዝተኻየዱ ዕውታት ንጥፈታት፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ን ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ልዕሊ 99 ሚእታዊት ህጻናት ከምእተኸትቡ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል 16 ኣገልግሎት ሕርሲ ዝህባ ትካላት ጥዕና ከምዘለዋ፡ መጠን ምሕራስ ኣብ ትካላት ጥዕና ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጥራይ ብ10 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ እንተዀነ፡ ኣብ 2018 ኣብ እዋን ሕርሲ ሞት ናይ ሰለስተ ኣዴታት ከምዘጋጠመ፡ ነዚ ናብ ዜሮ ንምውራዱ ብዕቱብ ክስራሕ ምዃኑ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንኡስ ዞባ እቲ ዝተሓተ ምምሕዳራዊ ውዳበን ውጽኢታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክትህበሉ እትኽእል ጽፍሒ ምምሕዳርን ብምዃኑ፡ ኣብ 2019 ሓድሽ ውዳበ ቤት-ጽሕፈት ጥዕና ብደረጃ ንኡስ ዞባ ክህሉ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ንመስርሕ ኣወዳድባኡ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ሕጽረት መድሃኒትን ኣምቡላንስን ፍታሕ ክረክብ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ምሉእ ብምሉእ ስለዘይጠፍኡ ተሪር ስጒምቲ ክውሰድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽሬት ኣከባቢ ዘሎ ንቕሓት ንምብራኽ ዝካየድ ጐስጓሳት ክሕይል፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን፡ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማር ዝሰላሰል ዕማም ብውህደት ክስራሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩለን ንኡሳን ዞባታታት ቤት-ጽሕፈት ጥዕና ክህልወን ዝወጸ ውጥን፡ ንኹለን ሚኒትሪታት ተዓዲሉ ምህላው ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ ዓመት ብተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝተማልአ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሃብ መደብ ከምዘሎ ገሊጻ።

Categories