ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ምዕባለታት ዞባናን ብምትኳር – ብ3 ለካቲት ንኤርትራውያን ነበርቲ ቦሎኛ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ኣቐዲሙ፡ ኣብ ከተማታት ሮማን ሚላኖን ተመሳሳሊ ሰሚናራት ኣካዪዱ ነይሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ በርሊን – ጀርመን ‘ባጽዕ ዘይተዳህሰሰት ውርሻ ኤርትራ’ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ነታ ከተማን ጥንታውነታን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት፡ ብ28 ጥሪ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ስነ-ጥንቲን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ በርሊንን ዝተሳተፍዎ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒክን ስነ-ቁጠባን በርሊን ሓላፊት ዲን ስነ-ጥበብን ባህልን ፕሮፌሰር ካትሪን ሂን፡ ነቲ ምርኢት ኣብ ምውዳቡን ቴክኒካዊ ሓገዛት ኣብ ምግባርን ንዝተሳተፉ ኣመስጊና።

ኣበጋሲ ናይ’ቲ ሓሳብ ፕሮፌሰር ስቴፋን ቬኒ ግ ብወገኑ፡ ከተማ ባጽዕ ኣብ መዝገብ ባህላዊ ውርሻ ዩኔስኮ ንምስፋራ ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። ክኢላዊ ተበግሶ ንምውሳድ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ እውን ኣረጋጊጹ።

እቲ ምርኢት፡ ካብ 1995 ክሳብ 1997 ብፕሮፌሰር ስቴፋን ቬኒ ግን ዶክተር ፓቬል ዎልፍን ዝተሳእለ፡ ከምኡ’ውን ካብ 1995 ክሳብ 2007 ዘካየዱዎ ናይ ስነዳ ንጥፈታት ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ ክሳብ 30 መጋቢት ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒክን ስነ-ቁጠባን በርሊን ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን፡ ኣብ ኣጋጣሚ መዓልቲ ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን ዝተረኽበ – ልዕሊ 17,400 ዩሮ፡ ንማሕበር ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ወፍዩዎ።

ማሕበረ-ኮም ካይዘርስላውተርን ከባቢኣን – ጀርመን ብወገኑ፡ ንመናበዪ ስድራ-ስዉኣት 9,200 ዩሮ ከምዘበርከተ ተሓቢሩ።

Categories