ብምውህሃድ ሃገራዊ ማእከል ሕርሻዊ ምርምር ሓልሓለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካን ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሻምብቆን ንፈተነ ዝተዘርአ ድንሽ ውጽኢታዊ ኰይኑ።

ሓላፊ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብቲ ዞባ ኣቶ ምሉጌታ ሓጐስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማ’ቲ ፈተነ – ነቲ ከም ናይ ከበሳ ጥራሕ ክፍለጥ ዝጸንሐ ዘርኢ ድንሽ፡ ንሓረስቶት ብግብሪ ብምርኣይ ኣብ ቈላታት ንምዝርጋሕ ምዃኑ፡ ኣብ ውሱን ስፍሓት መሬት ብዝተገብረ ፈተነ ድማ፡ ካብ ሄክታር ልዕሊ 200 ኵንታል ክሕፈስ ከምእተኻእለ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ዳዊት ገብረዝጊ ድማ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብፍላይ ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ መፋርቕ ለካቲት ዛሕሊ ስለዝዀነ፡ ብመሰረት ካብ’ቲ ሃገራዊ ማእከል ዝረኸቡዎ ሞያዊ ሓበሬታ፡ ምስ ሓረስቶት ተሓባቢሮም ዝገበሩዎ ፈተነ ዕዉት ኮይኑ ብምርካቡ፡ ልምዓት ድንሽ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክተኣታቶ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ላዕለወይቲ ክኢላ ልምዓት ድንሽ ወይዘሮ ተበርህ ጋይም፡ ብዝተረኽበ ውጽኢት ዕግበታ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ከባቢ ስቡሕን ሰፊሕን መሬት ስለዝውንን፡ ኣብ መጻኢ ንጠለብ’ቲ ከባብን ኪኖኡን ዘማልእ እቶት ንምሕፋስ ከምዝከኣል ሓቢራ።

ክኢላ ምርምር ፍረታትን ኣሕምልትን መንእሰይ መድሃኔ መሓሪ ብወገኑ፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ ድንሽ ግዜ እንተ ደኣ መሪጽካ – ኣብ ዝኾነ ክፋል ሃገርና ክፈሪ ከምዝኽእል ዘረጋገጸ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንተገዳስነት ናይቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነጥፉ ክኢላታት ሕርሻን ሓረስቶትን ሞጒሱ።

ድንሽ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብውልቀሓረስቶት ብንኡስ መጠን ሓሓሊፉ ክዝራእ’ኳ እንተጸንሐ፡ ብውዱብን ምርምራዊ ደረጃን፡ እዚ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ዝተገብረ ፈተነ ናይ ፈለማ እዩ።

Categories