ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ኣብ ምድንፋዕ ሕውነታዊ ሽርክነታዊ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ትማሊ 6 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣቡዳቢ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሼኽ መሓመድን፡ ኣብ ገስጋስ ናይቲ ዝምድናን ንምምዕባሉ ኣብ መጻኢ ክካየድ ዘለዎ ጻዕሪን፡ ከምኡ እውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ኣልዒሎም ብሰፊሑ ተመያዪጦም።

Categories