ኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ፡ 635 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1379 ተመሃሮ ሸውዓተ ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-ኪነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐሰሙዎ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ዛዚሞም፡ ብ5 ለካቲት ተመሪቖም።

ኣብቲ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝተረኽቡሉ – ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ተመረቕቲ – ብክልሰሓሳብን ግብርን ንዝቐሰሙዎ ስልትን ጥበብን ዘንጸባርቕ ምርእቲ ኣቕሪቦም።

ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ንምህናጽን ብኹለንትናኦም ብቑዓት መንእሰያት ንምዅስኳስን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ወፍሪን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ሃገር፡ ሓደ ወለዶ ዝሃንጻ – እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ ድማ ተዛንዩ ዘዕርፈላ ኣይኮነትን” ብምባል፡ ነፍሲ-ወከፍ ወለዶ ሰሪሑን ጽዒሩን ንድሕሪኡ ዘሎ ወለዶ ከሰጋግራ፡ ምርጫ ዘይኮነ ዜግነታዊ ግዴታ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓጺር ጸብጻብ ተመረቕቲ ዘቕረበ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ድማ፡ ሰልጠንቲ – ኣብ ትስፉው ናይ ሰላም ግዜ ይምረቑ ብምህላዎም፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣንጸባራቒ ዓወት ከመዝግቡ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ቲ ብዓይነት ይኹን ብግዜ በዳሂ ዝነበረ ስልጠና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘርኣያኦ ሓቦን ኒሕን ድማ ሞጒሱ።

ተመረቕቲ፡ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ባህላዊ መሰናድኦን ምስሊ ሳዋ ዘርኢ ቅዲ ሑጻን ንምርኢት ብምቕራብ፡ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ሃገር ንምልማዓን ንምዕቃባን ድሉዋት ምዃኖም ብቃለ-ማሕላ ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብኣካላዊ ብቕዓት፡ ጨመተ ተዅሲ፡ ወተሃደራዊ ድስፕሊንን ስነ-ምግባርን፡ ከምኡ’ውን ናይ ስልቲ ጥበባት ጸብለልታ ዘርኣዩ ሰልጠንቲ፡ ኣሰልጠንትን ኣሃዱታትን ተሸሊሞም።

Categories