ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ – ሓውሲ ከተማ እንዳገርግስ ብልዕሊ 1.6 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት፡ ብ31 ጥሪ ተመሪቑ።

እቲ ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ፡ ንነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓውሲ ከተማ እንዳገርግስ፡ ገዛ-ኸረን፡ ገዛ-ሓምለ፡ ገዛ-መደባይን ዓዲ-ብርኩትን ከገልግል ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም ገሊጹ።

ነበርቲ፡ እቲ ህንጻ ኣብ ምግታእ ሞት ኣደታትን ዕሸላትን ኣብ እዋን ሕርሲ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ብምጥቃስ፡ ዝጐደለ ናውቲ ንምምላእ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

መደበር ጥዕና ሓውሲ ከተማ እንዳገርግስ፡ ቀዳማይ ረዲኤት፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ምክትታል ቅድሚ ሕርሲ፡ ክታበት ህጻናት፡ ከምኡ እውን ምኽርን ማዕዳን ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ትህብ።

Categories