ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርአ ሕጽረት መሳርሒታትን ህንጻዊ ትሕቲቅርጽን ንምምላእ ብዕቱብ ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ገሊጻ።

ንጥፈታት ትካላት ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንምግምጋም፡ ብ31 ጥሪ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻይደ ኣኼባ – ሚኒስተር ኣሚና፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን መሳርሒታትን በብእዋኑ ወፍሪታት ክካየድ ምጽንሑ፡ ንዝያዳ ውጽኢት ድማ እቲ ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብደረጃ ሃገር ዝተዓሙ ስራሓት ኣተባባዕቲ ምንባሮም፡ ኣብ’ቲ ዞባ ግና – ብፍላይ ተርእዮ ሞት ኣዴታት ገና ዕቱብ ቈላሕታ የድልዮ ከምዘሎ ኣገንዚባ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዶክተር ተስፋይ ተስፋዝጊ፡ ዘይጥጡሕ ኣቃውማ መሬት፡ ክሊማን ሰበኽሳግማዊ መነባብሮን፡ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት’ኳ እንተኾኑ፡ ሞያውያን ነዚ ተጻዊሮም ንዘካይዱዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዒላ-ባቡ – ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ሓዳስ ትካል ጥዕና ተሃኒጻ ኣገልግሎት ከምዝጀመረት፡ ኣብ ባዳ ትዋደድ ዘላ ትካል ጥዕና ድማ ህንጻዊ ስራሓታ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ተርእዮ ሕማማት ንምግታእ ሞያውያን ኣብ ዘካይዱዎ ስራሓት፡ ተራን ኣበርክቶን ምምሕዳር ዞባ ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

Categories