በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ 19 ጥሪ – ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል መዓርግ ተባዒሉ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ታቦታት ብድሮ ካብ ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ብምእመናን ተሰንዮም ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ክሓድሩ እንከለዉ፡ ጸሎተ ማህሌት በጺሑ።

ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ድማ፡ ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ኣብ ዙርያ ባሕረጥምቀት ቅዳሰን ጸሎተ-ወንጌልን ዓሪጉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብጹኣን ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ምስ ተነጽገ፡ እቲ በዓል ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣባል ቤት-ምኽሪ ኣብያተክርስትያን ዓለምን ሓላፊ ጒዳያት ኣፍሪቃን ዶክተር ንጉሱ ለገሰ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ውሉደ-ክህነትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories