ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብ17ን 18ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ፡ ኣብ ማእከላይ ቦታን ዞባታትን ዝነጥፉ ሓለፍትን ሞያውያንን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ገምጋም መደባት 2018 ብምክያድ – ትግባረ መደባት 2019 ኣበጊሱ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ኩነታት ክራማትን ዝተረኽበ እቶት ሕርሻን በብዞባኡ፡ እቶታውነት ኣእካልን ኣሕምልትን ንምስሳን ዝተሰላሰለ መደባትን ውጽኢቱን፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስን ፍርያተን ንምስሳንን ዝተገብረ ወፍሪ፡ ፍርያት መዓርን ጸባን፡ ከምኡ’ውን ብደረጃ ሃገር ዝተተግባሩ መደባት ሕርሻ ብመንጽር ሕጽረታቶምን ዘጋጠሙ ብድሆታትን ብዝርዝር ቀሪቡ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ኣብ 2018 ኣብ ዞባ ደቡብ ናይ ክረምቲ ዝናብ ጽቡቕ ዝርገሐ ከምዝነበሮ፡ ከም ውጽኢቱ፡ እቶት ዘራእቲ ምስ ናይ 2017 ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ63 ሚእታዊት፡ ኣሕምልቲ ብ76 ሚእታዊት፡ ፍረታት ድማ ብ5 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ፡ ብኣንጻሩ ቊጽሪ ዝሕለባ ዘመናውያንን ሓውሲ-ዘመናውያንን ናይ ጸባ ከብቲ ብ3 ሚእታዊት ከምዝነከያ፡ ብኡ መጠን ከኣ ካብአን ክርከብ ዝነበሮ ጸባ ከምዝጐደለ ተሓቢሩ።

ጸብጻብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘመልከቶ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ‘ኣቦ’ ምሉእ ትሕቲ ቅርጺ ማይ ተዋዲዱሉ ኣብ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ምፍራይ ተምሪ፡ ድሮ ኣስታት 6,000 ኣግራብ ተምሪ ተተኺሉ 96 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ፡ ንጥፈታት መፍረ ንህቢ’ውን ካብ’ቲ ናይ 2017 ብ5 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ተፈሊጡ።

ኣብ ልምዓት ኣሕምልቲ ሽጉርቲ 43 ሚእታዊት፡ ኣብ ልምዓት ፍረታት ድማ ባናና 71 ሚእታዊት ከምዝሽፍን ዝሓበረ ጸብጻብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽባርካ፡ ልዕሊ ጠለብ ዞባ ዝፈረየ ልዕሊ 1 ሚልዮን ኲንታል ኣሕምልቲን ልዕሊ 2 ሚልዮን ኲንታል ፍረታትን ናብ ካልእ ከባቢታት ሃገር ከምእተላእከ ኣብሪሁ።

ዝሕረስ መሬት ብ9 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ዞባ ዓንሰባ፡ ፍርያት ኣሕምልቲ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ13 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ።

ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምምካትን ንምክልኻልን ብደረጃ ሃገር ንዝተኻየደ ጻዕሪ ብዝምልከት፡ እቲ ብኣጋን ብውህደትን ዝተወስደ ስጒምቲ ኣዝዩ ኣድማዒ ከምዝነበረ፡ ጥዕና እንስሳታት ንምውሓስ ብዝተተግበረ መደባት ክታበት፡ ተርእዮ ሕማማት ከምዘንቈልቈለ በሪሁ።

ኣብ 2019 ኣስታት 25 ንኣሽቱን ዓበይቲን ዲጋታት ክስርሑ፡ ምሩጻት ዘርኢ ንምብዛሕ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ብሰፊሑ ክቕጽል፡ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ንሓረስቶት ክዕደል ዝብሉን ካልኦትን መደባት ድማ ተሓንጺጾም።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት ጥቡቕ ክትትልን ግምገማን ክግበረሎም ዘለዎም ኣገደስቲ መደባት ዘርዚሩ። ምድንፋዕ ዕቃበ ሓመድን ማይን፡ ምጥቃም ምሩጻት ኣዝርእቲ፡ ምኽዛን ሳዕሪ ብሰፊሑ ክዝውተር፣ ምርባሕ ደርሁ ገደና ክድፋኣሉ፣ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምክትታል ሓረስቶት ብፍላይ ኣብ ዘራእቲ ዕፉን ኰለላታት ከሐይሉ፣ መጎጎ ኣድሓነት ብሰፊሑ ንምትእትታው ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓዲ ንኣደታት ስልጠና ክውደብ ዝብሉ ድማ፡ ካብ ቀንዲ መደባት ምዃኖም ሓቢሩ።

Categories