ኣብ ዞባ ደቡብ ዝተኣታቶ ዘሎ ድጅታላዊ ኣብያተ-ንባብ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኢንጂነር ኣቤል ግርማይ – እቲ መደብ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጢሻ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣብ ዝተተግበረሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ መሰረታዊ ቴክኖሎጂ ንኽዓጥቃ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ፡ ተመሃሮን መማህራንን ንዝደልዩዎ ሓበሬታ ብድምጽን ስእልን ክረኽቡ ዝሕግዝ ብምዃኑ፡ ተወሰኽቲ መወከሲታት ክረኽቡን ኣፍልጦኦም ከዕብዩን ከምዝሕግዞም ኣረዲኡ።

እቲ ቴክኖሎጂ፡ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተተግበረ ይዝከር።

Categories