ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ብምብራኽ መጻኢ ሂወቶም ንምውሓስ ዝወሃብ ስልጠናታት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ኣዘኻኺሩ።

ብ15 ጥሪ ኣብ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ባጽዕ ምስ ዝስልጥኑ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ መምህር ረሺድ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንዝረሓቑ መንእሰያት ሞያ ንምዕጣቕ በብእዋኑ ስልጠናታት ክውደብ ምጽንሑን ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘርኣየን ብምጥቃስ፡ ሰልጠንቲ ተወዳዳሪ ዓቕሚን ብቕዓትን ንኸጥርዩ ብተገዳስነት ክጽዕቱ ኣተሓሳሲቡ።

ማእከል ሞያዊ ስልጠና ባጽዕ፡ ብዝተፈላለየ ጸገማት ካብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ንዝረሓቑ ተመሃሮ ሞያ ንምቕሳም፡ ኣብ 2017 ዝተመስረተ እዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ንተመሃሮ ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣዛዚ’ቲ መደበር ካፒቴን ሳልሕ መሓመድ-ዓሊ፡ ተርእዮ ገበናትን በደላትን ኣሰካፊ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ መንእሰያት ክብርታት ሕብረተ-ሰቦም ኣብ ምውራስን ምዕቃብን መሪሕ ተራ ክጻወቱ፡ ካብ ዘይተደልየ ወልፍታት ርሒቖም ድማ ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ከድህቡ መኺሩ።

Categories