ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ንምምዕባል ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብ14 ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፋ 17 ማሕበራት ተራድኦ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘለዋ፡ ንምሕጋዘን ድማ ኣብ 2018 ልዕሊ 4 ሚልዮን ናቕፋ ብመልክዕ ልቓሕ ከምእተዋህበን፡ ንዋታዊ ሓገዝ ከምእተገብረን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ እተን ማሕበራት ዘካይዳኦ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ንምሕያል ክስራሓሉ ምዃኑ ክበርህ እንከሎ፡ ምውዳድ ትካል መፍረ በረድ፡ ምትእትታው ዘመናዊ ሜላታት ምግፋፍ ዓሳ፡ ምውዳብን ምንቃሕን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ከምኡ’ውን ንምሕደራ ዋኒን፡ ኣጋፍፋ ዓሳ፡ ኣሰራርሓን ጽገናን ሰኪዔትን ምዕራይ ሞተረ ጀላቡን ዘጠቓልል ስልጠናታት ንምክያድ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ መሓመድ ኢያሕ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ዘሰላስሉዎ ንጥፈታት ንምምዕባልን ምህርቲ ዓሳ ንምዕባይን ዝካየድ ጻዕሪ ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ብምምሕዳር ዞባን ሓይሊ ባሕሪን ዝግበር ምድግጋፋት ብዝሓየለ ክቕጽል ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ጸጋታት ባሕሪ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎም ብምሕባር፡ ዕለታዊ ጠለብ ስድራ-ቤታትን ዕዳጋታትን ካብ ምምላእ ሓሊፉ፡ ንሰደድ ዝዓለመ ብዝሕን ዓይነትን ዘለዎ ምህርቲ ንምቕራብ፡ ዘድሊ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories