ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ምስ ናይ ስራሕ መሻርኽቱ ተወሃሂዱ ብዘካየዶ ጻዕሪ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ኣብ 2018 – ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ54 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ሓቢሩ።

ብ14ን 15ን ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ ሸፈነ ክታበት ጸረ-ንፍዮን ሩቤላን – 96 ሚእታዊት፡ ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ ድማ 95 ሚእታዊት ከምእተዓወተ ብምሕባር፡ መደባት መርመራን ወለንታዊ ምኽርን ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና ብምስፋሑ እውን፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ኣብሪሁ።

ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዝወርደሉ ዘሎ ህሞት፡ ቊጽሪ ናይቶም ብከም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ዝጥቅዑ ዘለዉ ሰባት ይበዝሕ ብምህላዉ ግና፡ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰባት ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ብፍላይ ከኣ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣሰካፊ እናኾነ ብምምጽኡ፡ ሳዕቤኑ ከይበኣሰ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰዶ ተማሕጺኖም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሰን፡ ብጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ሕማማት ንምቊጽጻር፡ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

 

Categories