ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2018 ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን፡ ከምኡ’ውን ምዕዳል ቪታሚን “A”፡ ብልዑል ውህደት መሻርኽቲ ኣካላትን ህዝብን ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ፡ ብ14 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ኮምን ስድራቤትን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ፡ እቲ ወፍሪ ሳላ ምትሕብባር ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ካልኦት መሻርኽትን፡ ከምኡ’ውን ልዑል ንቕሓት ሕብረተሰብን ተወፋይነት ሞያውያን ጥዕናን፡ ኣስታት 98 ሚእታዊት ብዓወት ከምእተፈጸመ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ህጻናት ጸረ ንፍዮን ሩቤላን ንምኽታብን፡ ኣስታት 130 ሽሕ ህጻናት ቪታሚን “A” ንምዕዳልን እዩ’ቲ ዝነበረ መደብ።

ሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻባት፡ ዋላ’ኳ ኣብ መስርሕ ዝተኸስተ ናይ ቀረብን መጐዓዝያን ሕጽረታት እንተነበረ፡ ንጡፍ ተራ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታትን ከባቢታትን፡ ከምኡ’ውን መማህራን ዝነኣድ ምንባሩ ሓቢሮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ እቲ ወፍሪ ኣብ መወዳእታ 2019 ንዝካየድ ክታበት ኣንቅጽን መንሽሮ ጡብን ባይታ ከምዘንጸፈ ብምሕባር፡ እቲ መደብ ንኽዕወት ውፉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምስጋና ኣቕሪቡ።

Categories