ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ እዋን ክራማት ጸገም ክፈጥር ዝጸንሐ – ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዘገልገለ ዓበይቲ ቱቦታት ረሳሕ ፈሳሲ፡ ብሓድሽ ይትካእ ኣሎ።

ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ፡ ኣብ ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ረሳሕ ፈሳሲ ጆሜትራ የውሃንስ ምሉ፡ እቲ ዕማም፡ ኣብ እዋን ክራማት ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣኽርያ፡ ኣርባዕተ-ኣስመራን ከባቢ ገዛ-ከኒሻን ብዝወርድ ወሓይዝ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣባ-ሻውልን ሹቕን ዝኽሰት ዕልቕልቕ ንምፍዋስ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ጆሜትራ የውሃንስ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ናይ 30 ሰንቲ-ሜተር ሰንጣቒት ዝነበሮ ዝኣረገ ቱቦታት፡ ብናይ 60 ሰንቲ-ሜተር ሰንጣቒት ይትካእ ከምዘሎ፡ ሓሓሊፉ ንዝኽሰት ምብልሻው መፈተሺ ዝኸውንን ንዓበይቲ መስመራት ዘራኽብን ሳናዱቕ እውን ይዋደድ ምህላዉ ሓቢሩ።

ዘይውሕሉል ኣጠቓቕማ – ካብ ቀንዲ ጠንቂታት ምብልሻው መስመር ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ሰፈር ኣባሻውልን ሹቕን ዝነብር ህዝቢ፡ ኣብ’ዚ ብገዚፍ ወጻኢ ዝጽገን ዘሎ መትረብ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ደረቕ ጐሓፍ ካብ ምጒሓፍ ክቚጠብ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ኣባ-ሻውል ወይዘሮ ሳራ ተስፋሚካኤል እውን፡ ነበርቲ ግቡእ ክንክንን ምክትታልን ክገብሩሉ ኣተሓሳሲባ።

Categories