ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ናብ ትማሊ ሰኑይ 14 ጥሪ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ውሽጢ መደበር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ንብረት ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ።

ኣብ ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ኣቶ ዓንደብርሃን ተወልደ፡ ብዛዕባ’ቲ ባርዕ ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ሰዓት 2፡30 ናይ ለይቲ ኣብ’ቲ ቦታ ከምዝኣተዉን ባርዕ ተፈጢሩ ከምዝጸንሖምን ብምሕባር፡ ብሓሙሽተ መካይን መጥፋእቲ ሓዊ ክሳብ ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተወ ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት መደበር ንኤሪና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ብባርዕ ዝተሃመዀ ከባቢ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ክልተ ግዜ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ተኸሲቱ ምንባሩ፡ ጽርበት ዕንጸይቲን ናይ ምልሓም ስራሓትን ብሓባር ዝካየደሉ ቦታ ብምዃኑ ድማ፡ ጠንቂ’ቲ ባርዕ ንሱ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቶም ሂቦም።

ኣሃዱ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ፡ ጠንቂ’ቲ ባርዕን ስፍሓት ዝወረደ ዕንወትን ገና ኣብ መስርሕ መርመራ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን የለን።

Categories