ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ምስ መሻርኽቱ ኣካላት ምምሕዳር ናይ’ቲ ዞባ ብምትሕብባር ዝትግበር፡ ኮም ዝመርሖ ውጥን መደባት ጽሬት ሓንጺጹ።

ኣብ’ቲ ካብ 10 ክሳብ 11 ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተኻየደን ሓለፍቲ ዝምልከተን ኣካላት ዝተሳተፉዎን ኣኼባ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዞባ ደቡብ ብኮም ዝምራሕ ውሁድ መደባት ጽሬት ብሓፈሻ፡ ምስራሕን ምጥቃምን ዓይኒ-ምድሪ ድማ ብፍላይ ንምትእትታው ዝሕግዝ – ብግዜን ቦታን ዝተነጸረ መርሓ መደብ ወጺኡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሴ፡ ተቐሲሙ ዘሎ ተመኵሮ፡ ነቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ብሓድሽ ኣወዳድባ ካብ ከተማ ክሳብ ዓድን ቁሸትን ዝወርድ ስሩዕ መደባት ጽሬት – ድልዱል ሰረት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ ብወገኑ፡ ግቡእ ከባብያውን ውልቃውን ጽሬት ዘይምዝውታር፡ ጠንቂ 50 ሚእታዊት ኣብ ከባቢና ናይ ዝረኣዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድርን ምሕጻብ ኢድን ምዕባይ፡ መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ዝርከባ 1024 ዓድታት፡ እተን 257 ጥራይ እየን ግቡእ ዓይኒ-ምድሪ ሰሪሐን ስሩዕ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ዘካይዳ ዘለዋ።

Categories