ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሽሻይ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ንጡፍ ኣገልግሎት ጥዕና ብምርግጋጽ ድሕነት ኣደን ህጻንን ንምውሓስ ዝተሰላሰለ ዕማም ብተገልገልቲ ተሞጒሱ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ሓሽሻይ፡ ነርስ መንሱር ኣቡበከር ብወገኑ፡ እታ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንነበርቲ ሓሽሻይ፡ ጎልያ፡ ሸንጌን፡ ባዶብን ሸላብን፡ ካብ ኰለልን ሃልክን ምድሓና፡ ጥዕናዊ ንቕሓት ዘበርኽ ኣስተምህሮታት እውን ትህብ ከምዘላ ገሊጹ።

ኣብ 2018 – ሸፈነ ክታበት ህጻናት 90 ሚእታዊት፡ ሸፈነ ምቊጽጻር ድሕነት ኣደን ህጻንን ድማ 70 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ነርስ መንሱር፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ብ85 ሚእታዊት ከምዝጐደለ፡ ቊጽሪ ኣብ’ታ ትካል ጥዕና ዝሓረሳ ነብሰ-ጾራት’ውን ዕብየት ከምዘመዝገበ ኣረዲኡ።

ምስ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ቊጽሪ ተገልገልቲ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ዝኣረገ ክፍልታት ክጽገንን ክሰፍሕን፡ ከምኡ’ውን እታ ትካል ቀጽሪ ክህነጸላን ሕሙማት እተመላልስ ኣምቡላንስ ክትምደብን ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories